(By Y H, 02 December 2020)
ኦ! ወይ ኢሳያስ ወደይ!
ሪኢኹሞዶ ኢሳያስ
ምስ ፆላሎቱ ክባኣስ
ንምንታይ ኣብ ባይታ ትድቅስ
ደንጎላ ትትርኣስ
ናተይ ምስሊ ብምልባስ:
ነዓይ ብዓይኒ ፀላኢ ኽተባሳብስ:
አነ እንቶለኹ ንጉሥ
ኣዳራሽይ ፀፀራት
ጥቃ ሥፍራ እቡዳት:
ባዓል ወርቂ ዓራት:
ዘሽብረቅረቀ ብኹሒል መብራት:
ዝዕቭል ጥቅ ዝበለ ፀልማት::
ሓሻኽረይ መዓት
እግረይ ተኸቲሎም
ጀብ ጀብ ዝቪሉ ብስርዓት::
ኣንታ ፅላሎት ደፋር ጊኒ
ኸመይ ኽትንዕቐኒ
አብ መሬት ተደቅስኒ?
ስማዕ የማነ ማንኪ
መንዒኻ ንስኻውን ንስኽኪ
እዚ ዕሱብ ፅላሎት ናይ ወያኔ ተላላኪ:
ግዜ ኣትሃብዎ:
ተሎ ረሽንዎ
ደሙ ኸይዛህሓል ኻዐ ቅቨርዎ:
ዳግማይ ኸይላዓል ጉዝጏዙ መቃብሩ:
ሓዊ ወልዕዎ::
ዘይሓስቦ ብዕዋኑ:
ፅላሎት ተረሺኑ
መሬት ደም ምስነቪዔት
ቖፅሊ አውሊዕ ሽፋፊኖም
ሻምቦ ሻምቦ እሎም
ግመል ተቐሪቫ
ቓሬዛ ኽትሽከም::
ፁላሎት ግና ወይ ቅንጭ
ኣብ ዝወደቆ ለጥ ስበጥ
ኻብ መሬት ኸመይ ገርካ ክንቀል: ኽቅንጠጥ!!
ኢሒን ሚሒን ትባሃል
እንታይ ኸምዝግብር :
መጨረስዕ ይሕበር
ናብቲ ጏህሪ ዘዓመሮ ምቃብር
ምስ እሺ ጎይታይ ዝብሉ ሓሻኽር
ኢሳያስ ኽስንዝር::
ኣብቲ ተኻዓተ ምድር
ቅልቅል ኢሉ እንተራኣየስ
ፅላሎት የባጩ ይእንድር::
ሃባ እትሽጉጥ ማንኪ እውር:
ዘይሞትስ ሞይቱ ኢልካ ትፍክር:
ህቭይ ኢልካ ነገር:
ቀደሙዶ ምሳኻ ስብ ይመክር::
ኢሉ ዘሊሉ እንትስንድር
ዘይሓስቦ ናብቲ ተወለዔ እሳተ ጎመራ
ፆምብር::
ወይ ኢሳያስ ወደይ!
ሕንቁቅ ብተይ:
መሲልዎ ኸምቲ ዘዓንደሮ
ንትሻዓተ ወርሒ እብቲ ኸብደይ
ጉድጏድ ንኻልዖት ዝማሓሶ
ባዕሉ ተተርዔሶ::