(By ኣኽራነይ ጎልጎለይ, 08 December 2020)
ሓቂ ንደቅና
ደጎልም ብረት ለባሽ
ንሶም ዝዓረዱ አብ ውሺጢ ኣዳራሽ
ማይ ኸይሳአን ቡምባ ፈሻሽ
ዝንከባለሉ አብ ሮጊድ ፍራሽ
ንሕና አብ ዕና ፍራስ
ደንጎላ ንይርአስ::
አብ ገዝዖም ትብላዕ ትስተይ
አብገዛና ሽግር ዓሪዱ ኸተተ::
ጎይታይ እንትስነዩ ብዓጀባ
ንሕና መንጠል መንጠል
ግዜ ኸምዝዓረቦ ሌባ::
ነዚአውን ቀኒኦም
ሌይቲ ንስቀትሪ ድቃስ ሲኢኖም
ዘርእና ንኸጥፍኡ ተሊሞም
ቦምብ: በሎ ጥይት: ገዘሞ: ዓጢቆም
ትግራይ ንኸጥፍዕ ስዲሮም::
ንብረት የለ ጠጠው ዝበለ ዖም
ሓረስዎ ደጊሞም ደጋጊሞም::
ዘክር ዳግም
ኤርትራዊያን ስጋግም
ኸምቃንጣ ኽስቅልዎም
ኣብዕንጨቲ ጋድም::
ግናኸ ዘይቀሪ ውድቃን
እንኻንዶ ኹታራ ውልዶ ስይጣን:
ጀግናውን ሕዝቢ ልሳን
ንዘለዓልም ኽነብር እንትንምነይ
የርክብ መዓልቲ ብዓጀብ ብኽብሪ ኽስነይ::
እርጋን ዘህትምሕር
ንኹሉ አርኪባ ትሕርር
እንሆ ጀጋኑ ሽቢቶም ንሕናውን ሸቢትና:
ጎይታ ግናይ እናሓደረ ምቅላል ኸምሽክና:
ጨመዳ በሎ ኣገና:
ተሓግ እምቦጭ ጣና:
እንትስርቅ እንትጉሕል ግዜ ዝዓረቦ
መሲልዎ ሞት ዘየርክቦ
ሕዚዳአ ንመን ኸርክቦ
ንዖያሉ እትውርሶ
ሓጪ መጪ ምስካቴና
ንሕና ብሽነኽና
ምርቃሕ ሓቂ ንደቅና:
ወዲቅና ቆሲልና
ናይግድን ኽንዕወት ኢና
ሓርነትና::
