ጔል ካሌብ፤ ጔል ካሣ!

Poems

(ብኣኽራነይ ጎልጎለይ, Updated 09 December 2020)

ጔል ካሌብ፤ ጔል ካሣ!

ሓመድ ትምስል ትፋሕሹ
ጊዜ ይጥለማ ግን ዘይትእሹ
ጔል ካሣ መርቻ፤ ጔል ኣሉላ
ሓጪ መጪ ዘየታልላ።

ወዲ ኤዛና፤ ወዲ ጊላ
ገዝሚ ኣስተሊን፤ ኹትቻ ዘ’ይአደላ
ግናኸ ዘንጃሕጅሔላ፤
ዝሕፈስ ቢኢላ፡
ብደሙ ተኻሒላ:
ማእንታን ክትጸርይ ቀይሕ ዕንቂ መሲላ።

እስይ እስይ ኣሉሉላ
ታኣጂባ ትመጵ’እላ
ኌል ካሌብ፤ ጔል ኣሉላ
ጔል ካሣ ኃይሉ፤ ጔል ካሣ መርቻ
ዘይትድፈር እምባ ኾረቻ።

ስንደቅ ሓራ፤ ስንድቅ ኽብሪ
ዘይተንከፉዋ ዘይትኹሪ
እንትትቃላዕ ንሽርሒ ግብሪ
እሳተ ጎመራ ነዳድ ጔሕሪ።

ኣጏላት ዝዑምፁ
ቖላዑ ዝድርፁፁ
ጎባጥያን ሎሚ መሬት ተረገፁ
ጏል ካሌብ ጏል ካሣ
እንካንዶ ኸብዳም ጏሣ
መን ዝዓበደ ይትርዔሳ
ብጄካ ወያናይ ኾርዒዳ ኣንበሳ::

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *