ልምዲ ምብራቕ ቲሞር፣ ኣብ ትግራይ ንዝግበር ቓልሲ ኣንፃር ወረርቲ

Opinion ርኢቶን ትንታነን

ኣብ ዝሓለፈ ፅሑፍህዝባዊ ዓመፅ ንናፅነት ትግራይ (Civil Disobedience for Tigrayan Freedom) ብዝብል ርእሲ፣ ኣድላይነት ሰላማዊ ቓልሲ ብዝተወሰነ መልክዑ ምልዓልና ይዝከር። እዚ ናይቲ ዝሓለፈ ፅሑፍ መቐፀልታ ኾይኑ፣ ግን ድማ ዓርሱ ዝኸኣለን ንበይኑ ክንበብ ዝኽእልን እዩ። እቲ ዝሓለፈ ክፋል ምንባብ ንዝደሊ ድማ ኣብዚ ብምጥዋቕ ምርካብ ይከኣል። ኣብዚ ፅሑፍ እዚ ምስ ቃልሲ ትግራይ ንምትሕሓዝ ክጥዕም ምእንታን፣ ብዛዕባ ትግራይ ዝምልከቱ ጉዳያት ንበይኖም `ትግራይ` ዝብል ምልክት ኣብ ቅድሚት ተቐሚጡሎም ቀሪቦም ኣለዉ። ሰናይ ንባብ።

ሰላማዊ ቃልሲ መናእሰይ ኣብ ናፅነት ምብራቕ ቲሞር

ኣብ 1975 ዓ/ም/ፈ ፕረዚደንት ኢንዶኒዥያ ዝነበረ ሱሃርቶ ኣብ ምብራቕ ቲሞር ሙሉእ ወራር ከፊቱ። ነቲ ወራር ከም ምኽንያት ኢሉ ዘቐመጦ ድማ ንምብራቕ ቲሞር ዝመርሑ ዝነበሩ ናይ ምብራቕ ቲሞር ወያናይ ግምባር፣ ናይ ፀጋም ዘመም (Leftist) ፖለቲካ ተኸታልቲ ስለዝኾኑ፣ ንኢንዶኒዥያ ጥራይ እንተይኮነስ ነቲ ከባቢ ብሙሉኡ ሓደጋ እዮም ዝብል ነበረ። ከምኡ ድማ ኢንዶኒዥያ ንምብራቕ ቲሞር ቅድሚ ምውራራ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ናፅነት ስለዝኣወጀት ንክትውረር ተወሳኺ ምኽንያት ነይሩ።

ትግራይ: እዚ ምስቲ ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ብዝተወሰነ ደረጃ ዘመሳስል ነገር ኣለዎ። ብፕረዚደንት ደብረፅዮን ዝምራሕ፣ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ምንም`ኳ ክሳብ ሕዚ ነፃ ሃገር ክንከውን ኢና ዝብል ውሳነ ዘየመሓላለፈን፣ ድምፀ-ህዝቢ (referendum) ክወሃበሉ ዘይተገበረን ጉዳይ እንተኾነ፣ ትግራይ ብውሽጣውን ደጋውን ፀላእቲ ተወሪራ ምህላዋ ግን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ “ብወረርቲ ተጨቊነ፣ ተደፊረን ተዓሚፀን፣ ደቀይ ድማ በብመዓልቱ እናተቐተሉ ኣይነብሩን” ኢሉ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሓርነት ቃልሲ፣ ምብራቕ ቲሞራውያ ንናፅነት ካብ ዝገበርዎን ዝተዓወቱሉን ከይዲ፣ እንታይ ልምድታት ክውሰድ ይከኣል? እስኪ ንቐፅል።

ብመሰረቱ ኣብ ትግራይ ተፈፂሙ ዘሎ ወራር፣ ዋላ`ኳ “መከላኸሊ ሃገር ስለዝተደፈረ`ዩ”፣ “ናይ ሕጊ ምኽባር`ዩ”፣ ወዘተ ዝብል ሽፋን በቶም ወረርቲ ሓይልታት፣ እንተተወሃቦ፣ እቲ ሓቂ ግን ካልእ እዩ። ቅድም ኢሉ ኲናት ዘይተርፍ ከምዝነበረን ብመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሙሉእ ምድላዋት ይግበር ምንባሩን ዝፍለጥ እዩ። ባዕሉ ኣብዪ ኣሕመድ`ውን እንተኾነ፣ መንግስቲ ትግራይ ከይፈልጦ ብምግባር፣ ብሕቡእ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ክሳብ ምግዛእ ወይ ምክራይ ዝሓወሰ ናይ ኲናት ምድላው ይገብር ምንባሩ ኣብ ቤት ምኽሪ “ተወከልቲ ህዝቢ” ቀሪቡ ገሊፅዎ እዩ። መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ድማ፣ ትግራይ ንምውራርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ንምውላዕ ዝግበር ዝነበረ ናይ መወዳእት ብርኪ ምድላው ኣመልኪቲ ተደጋጋሚ መግልፅታት ኣብ እዋኑ ሂቡሉ እዩ። ብሓፂሩ፣ እታ ጠላም ሃገርን መራሒኣን፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ንምፍፃም ዘኽእሎም ንዕኦም ዝጥዕሞም እዋን ጥራይ ይፅበዩ ከምዝነበሩ ካብቲ መራሒኦም ዝበሎ ንላዕሊ ካሊእ ምስክር ክህሉ ኣይኽእልን። እቲ ዝኸፍአ ጫፍ ናይቲ ወራር ድማ፣ ኤርትራን ኢሚሬትን ሓዊሱ፣ ባዕዳውያን ዝተሳተፍሉ ወራር ምዃኑ እዩ። ዕላምኦም ድማ ብደብረፅዮን ዝምራሕ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ንምፍራስ ጥራይ ከምዘይነበረ ግሁድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መላእ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ምቅፃል ፋብሪካታት፣ ናይ ውልቀን መንግስትን ንብረት ፅዒንካ ናብ ኤርትራ፣ ኣምሓራን፣ ኣዲስ ኣበባ ምውሳድ፣ ሰላማውያን ተጋሩ ብግፍዒ፣ ብውልቀን ከም ስድራን ምቕታል፣ ኣዋልድን ኣንስትን ትግራይ ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ምዕማፅ፣ ካብ ምዕማፅ ክሃድማ ንዝፈተና ድማ ምርሻን፣ ብደቡብን ምዕራብን ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብምፍንቓል፣ ንገሊኡ ብምቕታል፣ ንገሊኡ እንተዘይለቒቑ ከምዝቐትልዎ ብግልፂ ብምፍርራሕ፣ ዓመት ሙሉእ ርሂፁ ዘፍረዮ ምህርቱ ብሓይሊ ብምውሳድን ብምቅፃልን፣ ካልኦት ንምሕሳብ ዝኸብዱ ግፍዕታትን ብግልፂ እናፈፀሙ፣ መሬት ትግራይ ብሓይሊ ወሪሮምዎ ይርከቡ።

ኣቱም “ሕጊ ምኽባር`ዩ” ኢልኩም ኣሚንኩም እትዕሸዉ ገለገለ ዓናዘር ወገናት፣ እዚ ወራር እንተዘይኮይኑ፣ ወራር ዝበሃል ደኣ ከመይ ዝበለ እዩ እስኪ ንገሩና? ንሓሙሽተ ደቒቓ ዝኸውን እሞ ብኸብድኹም ምሕሳብ ገዲፍኩም፣ ብርእስኹም ሕሰቡሞ መልሱ ባዕልኹም ክትረኽብዎ ኢኹም። ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወደቑ ህዝብታትኸ ካብዚ ዝተፈለየ ወራር እንታይ እዩ በፂሕዎም? ናይ ካሊእ ሃገር ወታደር (ኣራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ከምድሌቱ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ካብ ምዕዳር ንላዕሊኸ ነቲ ወራር እንታይ ዓይነት መርትዖ ኢኹም ደሊኹምሉ? ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘግርም ግን፣ ህዝብኹም እዚ ኹሉ ግፍዒ ንኽበፅሖ መሳርሒ ኮይኩም እተገልግሉ ዘለኹም “ተጋሩ”፣ ህዝብና እትብልዎ ኣበይ ንዝርከብ ህዝቢ እዩ? ብፍላይ ኣንቱም ንህዝቢ ንቃለስ ኣለና እትብሉ፣ ንባዕልኹም ምትላል ግደፍዎ እሞ፣ ንኸብድና ንቃለስ ኣለና በሉን ብግልፂ። ንኸብድኹም ብምቅላስኩም እኳ እንተዘየኽበርናኩም፣ እንተነኣሰ ነቲ ሓቂ ከምዘለዎ እንተትቕበልዎ ሓደ ነገር እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ትግራይና ዝፍፀም ዘሎ ነገር እዚ እዩ። “ንሕና ዝበልናኩም ጥራይ ስምዑ፣ ንሕና ፈቲና ብዝሃብናኩም መራሕቲ ጥራይ ተመርሑ፣ እንተደኣ ዘየለ …” ብዝብል መሰል ህዝቢ ዝበሃል ኣብ መዝገበ ቃላቶም ዘይፈልጡ ግፍዐኛታት፣ ናይ ትግራይ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ብምምንጣል፣ ንትግራይ ወሪሮምዋ ኣለዉ። ፖለቲካዊ ኣሰላልፋና ውልቃዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ኣብ ዝምልከት ግን ምንም ዓይነት ኣፈላላይ ክህልወና ኣይግባእን። መሰረታዊ መበገሲ ባይታን መሰል ህዝቢ ካብ ምቕባል ክብገስ ስለዘለዎ። ብሚልዮን ዝቑፀር ህዝቢ ዝመረፆም መራሕቲ ትግራይ፣ `ጁንታ` ዝብል ቅፅል ብምሃብ ማንም ክታለል ኣይኽእል። ዋላ እቶም ህዝቢ ዝመረፆም መራሕቲ ሕመቕ እንተሃልዩዎም፣ ሕመቕ ከምዘለዎም እውን ይፍለጥ`ዩ፣ ግን ድማ ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ እዩ ክደይቦምን ከውርዶምን ዝኽእል። ካብዚ ዝሓለፈ ወራሪ ሓይሊ ዘቐመጦ ምስለኔ፣ ተፀዋዕነቱ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘቐመጦ ጎይትኡ እዩ። ጎይትኡ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ “መራሒ” ድዩ “ተመራሒ” ድማ መንግስቲ ትግራይ ክኸውን ኣይኽእልን። ግዝያዊ መንግስቲ ዘይኮነስ፣ ግዝያዊ ምስለኔ እዩ። እቲ ግዝያውነት ድማ፣ ናብ ቀዋሚ ምስለኔ ዝኾነ መንግስቲ ክሳብ ዝሰጋገር ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ምትላል ፖሊሲ ጥራይ እዩ።

ልምዲ ምብራቕ ቲሞር፣ ኣብ ትግራይ ንዝግበር ቓልሲ ኣንፃር ወረርቲ?

ቅድሚ ነፃ ሃገር ምዃና፣ ምብራቕ ቲሞር ኣብ ውሽቲ ኢንዶኒዥያ እትርከብ ሓንቲ ክልል እያ ነይራ። ደሓር ብማእኸላይ መንግስቲ ኢንዶኒዥያ ሕጉሳት ስለዘይነበሩ፣ ናይ ናፅነት ቃልሲ ጀሚሮም። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ካብ ወተሃደራት ፖርቱጋል ብዝተረኽበ ኣፅዋር ገይሮም ንናፅነት ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም። እዚ ዕጡቕ ሓይሊ ድማ ኣብ ጎቦታት ዓዱ ሰፊሩ ዝከኣሎ ምክልኻል ይገብር ነይሩ።

ይኹን`ምበር ኢንዶኒዥያ ብዝፈፀመቶ ሰፊሕ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ፣ ናይ ምብራቕ ቲሞር ወታደራዊ ምክልኻል ውፅኢት ከምፅእ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ እንትድምሰስ ምስኡ ድማ ዳርጋ ሲሶ ዝኸውን ናይ ምብራቕ ቲሞር ህዝቢ ፀኒቱ እዩ።

ትግራይ: ናይ ኣብዪ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዕላማ፣ ኣብ ትግራይን፣ ካብ ትግራይ ወፃእን ዘሎ ትግራይዋይ፣ ብመንነቱ ፈሊኻ ንምጥፋእ ምዃኑ ዝጠራጠር ትግራዋይ የለን። እቶም ብጣዕሚ ውሑዳት ድማ ንኸብዶም ዝሓደሩ ጥራይ እዮም ኽኾኑ ዝኽእሉ። ምኽንያቱ ኣቦኦምን ኣዲኦምን ከምኡ`ውን ናይ ቀረባ ኣብ ትግራይ ዝነብር ቤተሰቦም ሞትን ስቓይን ኣየገድሶምን ዘሎ ማለት እዩ። እንተዘገድሶም እማ ብውሕዱ እቲ ኲናት ደው ንክብል ፃውዒት ክገብሩ ምተሰምዑ ነይሮም። እምበኣርከስ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም መከራን ሞትን ንምቕናስ ድምፆም ዘየስምዑ፣ ወራሪ ሓይሊ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እወንታዊ ታራ ክህልዎም ኣይኽእልዎን። ካብ ውልቃዊ ጥቕሚ ወፂኦም፣ ጥቕሚ ህዝቦም ንከቐድሙ ናብ ልቦም ክምለሱ ጥራይ ኢና ክንምነየሎም ንኽእል።

ምብራቕ ቲሞር: ኢንዶኒዥያ ንምብራቕ ቲሞር ካብ እትወርር፣ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ፣ ደቂ ምብራቕ ቲሞር ዝተወደበ ሰላማዊ ቃልሲ ምግባር ጀሚሮም። ሳላ ዝተወደበ ሰላማዊ ቃልሶም ድማ፣ ናይ ኢንዶኒዥያ ወራሪ ሓይሊ ካብ ዝሓዞም ቦታታት ለቂቑ ንኽወፅእ ኣገዲዶምዎ እዮም። እዚ ጋህዲ ንክኸውን ግን፣ ኣብ ፈለማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምሕጋዝ ብዝብል ተጣይሹ ዝነበረ ክላንደስታይን ዝተባህለ ግምባር (Clandestine Front) ርኡይ ግደ ነይርዎ። እዚ ናይ ደቂ ምብራቕ ቲሞር ናይ መናእሰይ ውዳበ፣ እቲ ኣብ ምብራቕ ቲሞር ዝበፅሐ ከቢድ ማህሰይቲ ተስፋ ከየቑረፆም፣ ዝተፀንዐ ትልሚ ብምውፃእ መልክዕ ቃልሶም ኣስተኻኺሉም ምንቅስቓሶም ቀፂሎምሉ።

ኣንፈት ቃልሲ ክቕይሩ ዘገደዶም ድማ፣ መንግስቲ ኢንዶኒዥያ ብዝፈፀሞ ጭካነ ዝተመልኦ ወራርን መቕተልን ስዒቡ፣ እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ስለዝተዳኸመ እዩ። ኣብ ህዝቦም ብዝበፅሑ ዝነበሩ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ብምሕራን፣ እቲ ስልቲ ቓልሲ ናብ ሰላማዊ ኣንፈት ብምዝዋር፣ “ምብራቕ ቲሞር ሃገር ክትከውን ኣለዋ!” ናብ ዝብል ኣዕብየምዎ።

ትግራይ: መሪሕነት ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይን፣ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብዝገርም ሓቦን ትብዓትን ኣብ ምክልኻል ከምዝርከቡ ይፍለጥ እዩ። ይኹን`ምበር ናፅነት ትግራይ ኣብ ቀረባ ግሁድ ንምግባር ኣብ ዝግበር ቃልሲ፣ ኩሎም ዓይነት ኣማራፅታት ምጥቃም ኣድልዪ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ሰላማዊ ቃልሲ ምክያድ፣ እቲ ዝኽፈል ዘሎ ናይ ሂወት መስዋእቲ ንምቕናስ የኽእል`ዶ ዝብል ነገር ምምኽኻር የድልየና ኣሎ። ብስሩኸ፣ እቲ ዓጢቑ ኣብ ግምባር ክሳተፍ ዕድል ዘይረኸብ መንእሰይ ትግራይ፣ ኣንፈት ቃልሲ ብኸመይ ክምራሕ ኣለዎ?

ምብራሕ ቲሞር: ናይ ምብራቕ ቲሞር ውዳበ መናእሰይ (Clandestine Front) ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ዘይተማእኸሉ ናይ መንቃሕቲ ውዳበታት (activist network) ብምፍጣር፣ ካብ ከባቢ 1988 ዓ/ም/ፈ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ውሽጢ ምብራቕ ቲሞር፣ ኣብ ኢንዶኒዥያን፣ ኣብ መላእ ዓለምን ከካይድ ጀሚሩ። ካብቶም ዝገበሮም ዝተፈላለዩ ዓይነት ሰልፍታት ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፣

  • ልኡኻትን ፍሉጣት ኣካላት መንግስቲ ናብ ዝኾነ ዓዲ ምብፃሕ ኣብ ዝገብሩሉ ግዜ ተኸታቲልካ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያድ
  • ኣብ ውሽጢ ኤምባሲታት ኮፍ ኢልካ ኣይንለቅቕን ናይ ምባል ዓመፅ (sit in)
  • ወፅዓ ምብራቕ ቲሞራውያን ብዓለም ደረጃ ንክፍለጥ ብምግባር፣ ነቲ ሰላማዊ ቃልሲ ብዓለም ለኸ ደረጃ ፍሉጣት ሰባትን ሃገራትን ክሕግዝዎ ናይ ምግባር ጎስጓሳት ምግባር

ትግራይ: ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዘኹርዕ ስራሕቲ ይሰርሑ ቀንዮምን ኣለዉን። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝተገብረ ቃልሲ፣ ነቲ ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ መጠን ግፍዒ ዝምጥን ዋላ ኣይኹን፣ ትግራይ ከምዝተወረረትን ህዝባ ይቕተልን ይስደድን ምህላዉ ንኽፍለጥ ሓጊዙ እዩ። ኣብቶም ወረርቲ ሓይልታት ክውሰዱ ጀሚሮም ዘለዉ ስጉምትታትን፣ ዝበፅሖም ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ክሳራን እውን ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝነበሮ ይግመት። ካልኦት ከምቲ መናእሰይ ምብራቕ ቲሞር ዝገበርዎ ዝነበሩ ዓይነት ወፍርታት`ውን ተገይሮም እዮም። ክሳብ ናፅነት ትግራይ ዝረጋገፅ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ምብራቕ ቲሞር: ንሰላማዊ ቃልሲ መናእሰይ ምብራቕ ቲሞር፣ መንግስቲ ኢንዶኒዥያ ኣብቲ እዋን ዝሃቦ መልሲ ብሓይሊ ከንበርክኽ ምፍታን እዩ ነይሩ። ዋላ ነዚ ሰላማዊ ናይ ዓርሰ ምሕደራ ቃልሲ፣ እቲ መንግስቲ በቲ ፍሉጥ ዝነበረ ተቓወምታት ናይ ምሕምታል ስራሕቱ እዩ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ። ይኹን`ምበር እቲ ሰላማውያን ተቓለስቲ ናይ ምጥቃዕ ተግባሩ ንባዕሉ እዩ ተመሊሱ ኣኽሲሩዎ።

ናይዚ ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ኣብ 1991 ዓ/ም/ፈ ሰላማዊ ሰልፊ ይገብሩ ዝነበሩ ከባቢ 200 ሰልፈኛታት ምብራቕ ቲሞር ብወታደራት መንግስቲ ኢንዶኒዥያ ምስተቐተሉ፣ ነቲ ንሃገርነት ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ምብራቕ ቲሞር ነጥቢ መቐይሮ ኾይኑዎ። እዚ ቕትለት ምፍፃሙ፣ መረዳእታ እንተዘይተሓዝ፣ ከም ውፅኢቱ ድማ መንግስቲ ኢንዶኒዥያ ነቲ መቕተልቲ ክሓብኦ እንተዝኽእል ነይሩ፣ እዚ ነጥቢ መቐይሮ ኣይምተረኸበን። ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ግን፣ መቕተልቲ ናይቶም 200 ምብራቕ ቲሞራውያን፣ ሓደ እንግሊዛዊ ሰኣሊ ስለዝቐረፆ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና ተመሓላሊፉ። እዚ ግፍዓዊ ቕትለት ዓለም ለኻዊ ኲነኔ ዘስዓበ እንትኸውን፣ ምብራቕ ቲሞራውያን ድማ ንሃገርነት ዝገብርዎ ቃልሲ ሓዱሽ ኣንፈት ንከቐምጡሉ ሓጊዝዎም። ካብቶም ዘውፅእዎ ሓደሽቲ ኣንፈታት፣

  • ቃልሶም ሃገር ናይ ምዃን ከምዝኾነ ብንፁር ንክፍለጥ ምስራሕ
  • ሰላማዊ ሰልፊታት ብደንቢ ክጠናኸሩ ምግባር
  • እቲ ሰላማዊ ቃልሲ፣ ኣብ ምብራቕ ቲሞር ጥራይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ማእኸል ኢንዶኒዥያ ብሰፊሑ ክካየድ ምግባር ገሊኦም እዮም።

እቲ ግፍዓዊ ጭፍጨፋታት ኣብ ህዝቢ ምብራቕ ቲሞር ዘካይድ ዝነበረ ሱሃርቶ ዝተባህለ ፕረዚደንት፣ ብቁጠባዊ ቀውስን ህዝባዊ ዓመፅን ኣብ 1998 ዓ/ም/ፈ ምስወደቐ፣ ቀፂሉ ዝመፀ ሓቢቢ ዝተባህለ ሓዱሽ መራሒ፣ ነታ ሃገር ፖለቲካውን ቁጠባውን ምምሕያሻት ብምክያድ ከረጋግዕን ዝፈተነ ኾይኑ፣ ኣንቆልቊሉ ዝነበረ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ክምልስ ድማ ፃዕርታት ገይሩ። ይኹን`ምበር ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት፣ “ናይ ምብራቕ ቲሞር ጉዳይ ክፍታሕ ኣለዎ” ዝብሉ ሓሳባት ብተደጋጋሚ ምልዓሎም ኣይተረፈን። እዚ ነታ ሃገር ኣብ መድረኽ ዓለም ክትሽፍኖ ዘይትኽእል ዲፕሎማስያዊ ክሳራታትን በሰላን ዘስዓበላ እንትኾን፣ ኣብ ናይታ ሃገር ቁጠባ`ውን ቀሊል ዘይበሃል ውድቀት ኣብፂሑ እዩ።

ትግራይ: ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሓርነት ቃልሲ፣ ናይ ዓለም ድጋፍ ኣብ ምርካብን ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ህዝብታት ኣብ ጐንና ንምስላፍን ኣብ ዝግበር ቃልሲ፣ እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ኽኾነና ዝኽእል መረዳእታታት ብቪድዮን ብስእልን ኣብ ምሓዝ ዘሎ ዓብዪ ሽግር እዩ። ዝፍፀሙ ዘሎ ግፍዕታት ማእለያ የብሎምን። ብምስልን ብቪድዮ መረዳእታ ምእካብ እንተዘይክኢልና ግን፣ ከምቲ ኣብ ምብራቕ ቲሞር ዝተጠቐሙሉ ነጥቢ መቐየሪ ዝኸውን ኣብ ምርካብ ክንፅገም ኢና። እቶም ወረርቲ እውን ነዚ ፈሊጦም እዮም፣ ጋዜጠኛታት ዓለም ለኻዊ ሚድያታትን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ትካላትን ከይኣትዉ ከልኪሎምዎም ዘለዉ። ከምቲ ኣብ ምብራቕ ቲሞር ብኣካል ተረኺቡ፣ ናይ 200 ንፁሃን ዜጋታት ግፍዓዊ ቕትለት ቀሪፁ፣ ናብ ዓለም ዘጋወሖ ጋዜጠኛ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ዘለና ካልእ ኣማራፂ በብኸባቢኡ ዘሎ ህዝብና፣ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኣገባብ መረዳእታ ክሕዝ ምፅዋዕ እዩ። መብራህትን ስልክን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ዝተዓፀወሉ ኩነታት እዚ ምግባር ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ግን ድማ እንተስ ብጀኔረተር እንተስ ብኻሊእ ዝተረኸበ ኣማራፂ፣ እቶም ዝፍፀሙ ዘሎ ግፍዕታት ቀሪፅካ ምሓዝ ማዕረ ማዕረ ኣካል እቲ ካሊእ ቃልሲ ገይርካ ክውሰድ ይግባእ። ኣብ ውልቀ ሰባት ዝርከቡ መረዳእታታት ድማ ናብ ሓደ ማእኸል (database) ዝእከብሉ ስርዓት ምዝርጋሕ ኣብ ቃልስና ሓደ ዓብዪ ነጥቢ መቐይሮ (turning point) ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምብራቕ ቲሞር: ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ 1999 ዓ/ም/ፈ ዜጋታት ምብራቕ ቲሞር ኣብ ዝተኻየደ ድምፀ-ህዝቢ  (ሪፈረንደም) 80 ሚእታዊ ዓዶም ሃገር ንክትኸውን ድምፆም ሂቦም እዮም። ይኹን`ምበር በዚ ውፅኢት መረፃ ዝተቖጥዑ፣ ብመንግስቲ ኢንዶኒዥያ ዝድገፉ መኽረርቲ ሚሊሻ ብዝኸፈቱዎ መጥቃዕቲ፣ ብዙሓት ምብራቕ ቲሞራውያን ክፀንቱን ክፈናቐሉን ተገይሮም። ነዚ ስዒቡ ግን ውዱብ ሕቡራት መንግስታት፣ ብኣውስትራልያ ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ናብ ምብራቕ ቲሞር ንክእቱ ወሲኑ። ብምትሕባባር እዚ ዓቃቢ ሰላም ድማ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ስግግር ግዜ፣ ምብራቕ ቲሞር ኣብ ሚያዝያ 2002 ዓ/ም/ፈ ሓዳሽ ሃገር ኮይና ተመስሪታ። ኣብ መወዳእታ ሰላማዊ ቃልሲ ምብራቕ ቲሞራውያን ተዓዊቱ፣ ሃገርነቶም ኣዊጆም።

ምብራቕ ቲሞራውያን ናብ ሃገርነት ዝገበሩዎ ጉዕዞ ንክዕወት ዘኽኣሎም እንታይ እዩ?

ኣብ መላእ ዓለም ዝተኻየዱ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ቃልስታት ዘፅንዓ Erica Chenoweth, Maria J. Stephan ዝተባህላ ተመራርቲ እዚ ዝስዕብ ይብላ። እቶም ፈላንቲል (Falintil) ዝበሃሉ ደባይ ተዋጋእቲ፣ ክሳብ መወዳእታ እኳ ዕጥቆም ዘየወረዱ እንተነበሩ፣ ንምብራቕ ቲሞር ካብ ወራር ኢንዶኒዥያ ሓራ ክትወፅእ ዘኽኣላ ግን ብዋናነት ናቶም ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣይነበረን። ናይቲ ውዳበ መናእሰይ ዝኾነ ግምባር ክላንደስታይ (Clandestine Front) ዝነበረ ሓደ ኣባል መንእሰይ ከምዚ ይብል፣ “ፈላንቲል (Falintil) ኣብ ጎቦታት ኮይኖም ዝገብርዎ ዝነበሩ ዕጥቃዊ ቃልሲ፣ ነቲ ሰላማዊ ቃልስና ሞራል ኣብ ምሃብ ፅቡቕ ግደ ነይርዎ። ከምኡ`ውን ዕጥቃዊ ቃልሲ ፈላንቲል `እምብልና ብባዕዳውያን ኣይንግዛእን` ናይ ምባል ሓደ ወሳኒ መርኣያ ፅንዓት ኮይኑ ኣገልጊሉና እዩ። ይኹን`ምበር እቲ ዋና ክንዕወት ዝገበረና ግን ዝገበርናዮ ሰላማዊ ቃልሲ እዩ። ንናፅነት ዝገበርናዮ ሰላማዊ ቃልሲ ህዝብና ስለ ዝደገፎ ኢና ተዓዊትና። ህዝቢ ኢንዶኒዥያውያን ከይተረፈ ሓጊዙና እዩ።”

ትግራይ:- ኣብ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላት ዓለምን ዘለዉ ደቂ ትግራይ፣ ዝገብርዎ ዘለዉ ቃልሲ፣ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ፣ ሓደሽቲ ኣንፈታት ቃልሲ ሓንፂፁ፣ ናፅነት ትግራይ የረጋጋፅ`ዶ ይኸውን? ወይስ ብኣብዝሓ ካብ ሜዳ ናይ ምክልኻል ሓይሊታት ትግራይ ዜና ዓወት ንክሰምዕ ኣብ ምፅባይ ዕንክሊል ኣብ ምባል ይነብር? ናይ ሜዳ ወሪዱ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ`ዶ ይሕወስ? ወይስ እቲ ጀሚርዎ ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ ብዝተወደበን ሳይንሳዊ ብዝኾነን መልክዑ፣ ከምቲ መናእሰይ ምብራቕ ቲሞር ዝገበርዎ ወረርቲ ሓይልታት ተሳዒሮም ካብ ትግራይ ንክወፁ እጃሙ የበርክት? መንእሰይ ትግራይን ግዜን ዝምልስዎም ሕቶታት እዮም።

ካብ ከባቢ 1900 ዓ/ም/ፈ ጀሚሩ ክሳብ 2006 ዓ/ም/ፈ ኣብ መላእ ዓለም ዝተኻየዱ፣ ልዕሊ 300 ሰላማውን ዕጥቃውን ናይ ናፅነት ቃልስታት መፅናዕቲ ዘየካየዳ Erica Chenoweth, Maria J. Stephan ዝተባህላ ተመራመርቲ ግን፣ ነዚ ኣብ ምብራቕ ቲሞር ዝተገብረ ዝመስል ሰላማዊ ቃልሲ ምክያድ፣ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ምክያድ ናይ ምዕዋት ዕፅፊ ዕድል ኣለዎ ይብላ [1]።

እምበኣርከስ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝመፅእ ዜና ዓወት ጥራይ ካብ ምፅባይ ወፂእና፣ ኣብ ከተማታት ትግራይን፣ ኣብ ከተማታት ሓያላት ሃገራትን ሰላማዊ ቃልሲ ብምግባር ናይ ባዕልና ዓወት ምምዝጋብ ዘድልየሉ እዋን በፂሕና ኣለና። ብዕጥቃዊ ቃልሲ ይምፃእ፣ ብሰላማዊ ቃልሲ ይምፃእ፣ እቲ ዓብዪ ዛዕባን ናይ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራን ሓርነትን ምርግጋፅ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ፅሑፍ ከምዝተጠቐሰ`ውን፣ ብሰላማዊ ቃልሲ ዝትከል ስርዓት ዝለዓለ ዲሞክራስያዊ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ። ካብ ኩሉ ዝበኣሰ ባርነት ግን ንባዕሉ ባርያ ጎይተቱ ብዝኾነ ምስለኔ መንግስቲ ምምራሕ እዩ። ግዝያዊ ምስለኔ መንግስቲ ድማ ናብ ቀዋሚ ምስለኔ ክሳብ ዝሰጋገር ንህዝቢ ዝሓለይ ክመስል መደናገርቲ ስልቲታት ምጥቃም ጀሚሩ ኣሎ። ንህዝቢ ትግራይ ዝሓሊ፣ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ኣኽቢሩ ዓድና ይልቀቕ። ህዝብና ምቕታል ደው የብል። ሰብኣዊ ርህራሄ ብዘይብሉ መንገዲ ህዝብና ዘፅንትን ንብረትን ዝወርርን ዘሎ ጥሙይ ኣንበጣ ሰራዊት ኢሳያስ ካብ ዓድና ይውፃእ። ከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት፣ ኣብ ቅድሚ ጎይተቶም ደፊሮም ከልዕሉ ዘይኽእሉ፣ ሓሻኽርን ምስለኔታት ኣይመርሑናን። ብግዝያውነት ይኹን ብቐዋምነት። ሞት ንግፍዓውያን ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን።

ህዝቢ ትግራይ ክዕወት እዩ!

ርኢቶኹም፣ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መውሃቢ ሓሳብ ክተካፍሉና ብኣኽብሮት ንሓትት። ክሳብ እዚ ብትዕግስቲ ስለዘንበብኩም፣ ክብረት የሃበልና።

References

[1]       E. Chenoweth, M. J. Stephan, and M. J. Stephan, Why civil resistance works: The strategic logic of nonviolent conflict. Columbia University Press, 2011.

[2]. https://www.bbc.com/future/article/20190513-it-only-takes-35-of-people-to-change-the-world

1 thought on “ልምዲ ምብራቕ ቲሞር፣ ኣብ ትግራይ ንዝግበር ቓልሲ ኣንፃር ወረርቲ

  1. I think, we don’t need to go further. We shouldn’t give more time for repression and marginalization.
    It was by our negligence and ignorance we are suffering now a lot. Had it been used or applied
    our constitutional right, the outcome was different from now.
    The chauvinist imperial Ethiopia, have been applied tremendous crimes and atrocities since long time.
    Esp. from Menelik II, they have been killing us, eliminate us even. But, we didn’t take any reaction for their
    cruel action. Just, we simply live in it. But this time, the worst time for the people of Tigray. As a Tigrayan we are subjugation for any form of human right violations.
    Therefore, our decision should be, applying our constitutional right of Article “39.” We don’t waste more time, nor faced more atrocities.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *