(ብተመስገን ከበደ , 25 January 2021) –
ወሲነ ነይረ ኽደፍኖ
ኽኸዳድኖ:
ኻዓ መፀኒ
ዝሕማቅ ጂኒ
መሊሱ መላሊሱ
ኽሕመኒ
ኸቅንዝወኒ
ሽረብረብ ኽብል ዓይኒ::
ትዝኽሮ ዶ ኣነ ዝዝኽሮ
ናይ ቑልዕነት ንሮ
ዝተስንከለ ብባዕዳውያን
ፀለምቲ ሓረሮ::
ኽዝክሮ:
ንስኻ ኸ ዶ ትዝኽሮ!
ኣለኻዶ ወዲኖ
ይዝከረካዶ ጉሒልካ ናተይ ኻደዴርኖ
ተሓናኒቅና ክንተዓናኖ
ወላዲት ኽትዓብድ ጨኒቑዋ ትኾኖ:
መሊስና ኸምንተዓረቅ መን ኣመኖ::
ፅቡቅ ግዜ ኣዋልድ ኾረዳ:
ንርቫ እንትውርዳ
ኽሽከማ እትሮ
እንትደርፋ እትወቕዓ ኸቨሮ
እንትዝኽሮ
ዘይምለስ ንሮ!
የቅንዝወኒ መዓንጣይ ይሕርሮ
ልበይ ትግ ትግ ኸምከቭሮ::
እብገፀይ ብድንገት:
ቐባሕ ብዝቨልካ ቑፅሪ
እርስዕ ምኻነይ ኣብ ዓለም ነቫሪ::
ኽኸድኖ ዶ ኽኸዳድኖ:
ኽንደሻዕ ኣሎ ቃንዛ
ኽንደሻዕ ኣሎ ትከዛ
ወዲ ስብ ዝረኽቦ ኣበሳ::
ኽደይ ግዜ ንቭዓተይ ኸፍስሶ:
ኽደይ ግዜ ናቭራይ ኽሕምሶ
ናትካ ዘይምባር ኸስታውሶ::
ንዓኻ ኽዝክር:
ሑቐይ ቅርጥም ስቭርቭር
ስግረይ እስርስር
እኻ ዕጃም ዘይስድር::
ኣእምሮይ እግርግር:
ዓኢንተይ ድንብርብር
ንቭዕተይ ሽረቭረብ
ኸምዕቡድ ንቨይነይ ይዛረብ
ስብ ዘይፈለጦ ናተይ ሽግር::
ቁልዕነቱ ኸይመነወ:
መንጢሎሞ ኸይነብር
ንኡስ ሓወይ ሽኮር
መደብ ዝዓራትና
ትንኮቨት ኣንፂፍና
ድካ ተተርእዕስና
ወጮ ተጎልቪና
እንትንድቅስ እናሳሓቅና::
ኸይሓስቦ ኸይኣስተንተኖ:
ብዘይ ዋዓሎ ብዘይ ወገኖ
እንትጎይ እንትዕንድር
ብጥይት ስናድር
ቁልቁል ኣፉ ደፊኦም
ኽነብር ኣብ መቃብር::
ንሱ ኸይኣክል:
ድሕሪ ኽንደይ ዓመት
ሕዚ ኻዓ ተመሊሶም
ማይ ቅጠነ ኢሎም
ጦር ዓጢቖም
ፅልዒ ስኒቆም
መፁ ዳግማይ
ኸይሓወየ ቁስሊ ናይቀዳማይ
ኽፍፅሙ ጥፍዓት ዳግማይ::
ዘሪፎም ዘራሪፎም:
ኽቅንፅልዋ ካብ ዛዓለም
እታዝተረፍት
ዓባይ ሓፍቱ ፍሮማይ::
ኽንደይ ግዜ ብኽያት:
ኽንደይ ግዜ ኣውያት
ኽንደይ ግዜ ጥርዓን
ስማዒ ዘይብሉ እዋን::
ሕዚ ዳኣሞ:
እንታይ ኢልና ኽንዛዝሞ
ኽንደይ ግዜ ንዝጊ ይጥዓሞ
ኻቭ ንሞውት ብኸንቱ
ሞት ንሞቱ
እዚ ኣራዊት
ኽዕንድር ኸምድልየቱ
ኣብዘይ መረበቱ
ንምንታይ ምዕንቱ?
ኽሳዱ ቖሪፅና ሥረመስረቱ:
ነድቅሶ ንዘለ እለቱ
እታ ዝደልያ ትምኒቱ
ቅድሚ ምዕዋቱ:
ኸምታ ግቭረቱ
ኣብ ታ ዝኻዓታ
ጉድጏድ ግዲዕ የኣቱ::