(By Yared Huluf, 21 February 2021) –
ናይ ወርሂ ደሞዘይ በኽብሮት:
ናይ ፋልሶ መፁሐፈይ ሽያጭ እቶት:
ናይ ኣዳነች አበቤ ዝስረቀቶ ባንኪንብረት:
ናይ ትግራይ ብልፅግና
መምስሊ ሓሶት:
ሓቂ ዝጎደሎ አንደበት:
ይኹን ንዝጠመዪ ተጋሩ እንጋሎት
ብስም ኢትዮጵያዊ ተገዳስነት:
ኢሉ ተማሕፂኑ መሽረፈት::
ባዕሉ ኸምዘይ ኣዕነዎ
ትግራይ መሬት:
ጭጉራፍስያ ወቕዓ ትዒዊ
ኸምዝባሃል ተረት::
እካዳኣ ናይኢሳያ ዓጀውጀው:
አይ እምኒ አይ ጨው:
ኹሉ ዝጋራጨው::
ሕዚ ኽተት ኢልካ ምእዋጅ
መን ቀርዩ ዘይኸተተ
ኢህግደፍ ዝሽፈተ
ትግራይ ኸምዘይኣፅነተ:
ብጀካ ስበይቱ ኣመተ
እግሩ ተሓፅቦ ዝዓከተ
ፈቆዶ መሽታ ብሻባቶ እናጎተተ::
ዝብዒስያ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ኸይዱ
ቆርበት ኣንፅፉለይ ማዕሲ
ኸምዝብል ግዜ እንትማሲ:
ኢሳያስ ኽዛረብ ብዛዒባ ዲሞክራሲ:
መሳሊ ተገዳሲ
ፍትሒ ኣንጋሲ:
ውልቀ መላኺ ራዕሲ:
ክስሕቅዶ ወይስ ክበኪ!
ናይዙይ ጋንየን ስይኪ/psyche
ስንኪ ሳር ዑኪ:
ኤርትራ ትሓይኽ ትኻሲ
ብሕም ኸይብል ኸይትዘርዕ ንብሲ
እዚ ዓምሓም ርሲ
ዘይፈልጥ ኻሊዒ ስብ
ኻብዑ ንላዕሊ ኸምዝሓብ::