ቅልውላው ትግራይ: ኣብ ሓደ ቁሸት ልዕሊ 500 ገዛውቲ ‘ብመደብ’ ተቓጺሉ ተባሂሉ

Tigray
ዝተቓጸለ ገዛውቲ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ
ምንጪ ስእሊ, PLANET LABS INC VIA REUTERS መግለጺ ስእሊ, ጊጀት ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 35 ኪሎ ሜትር ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ዓዲ’ያ
 

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቁሸት ልዕሊ 500 ኣባይቲ ከምዝተቓጸለ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእልታት ከምዘረጋገጸ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ጠንቂ ናይቲ እቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ጊጀት ዝተባህለት ቁሸት ዝተራእየ ምቅጻል ብንጹር’ኳ እንዘይተፈልጠ፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ዝመስል ምዃኑ ሮይተርስ ጠቒሱ።

ጊጀት ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 35 ኪሎ ሜትር ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ዓዲ’ያ።

ፕላኔት ላብ ዝተባህለ ናይ ብሕቲ ናይ ሳተላይት ትካል ብሰኑይን ሰሉስን ዝኣከቦ ስእልታት፡ ብዲ-ኤክስ ኦፐን ኔትዎርክ (DX Open Network) ዝተባህለ ካልእ ትካል ከምዝተረጋገጸ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት ትንተና ናይቲ ትካል፡ ኣብ ጊጀትን ካባቢኡን ዝርከብ ብውሕዱ 508 ገዛውቲ ዓንዮም ከምዝራኣዩ ሮይተርስ ይገልጽ።

እቲ ባርዕ ብሰንኪ ውግእ ዘይኮነ “ብመደብ” ዝተኻየደ ምዃኑ ዲ-ኤክስ ኦፐን ኔትዎርክ መደምደምታ ከምዝሃበ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣብቲ ክልል ካብ 3 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት ከቢድ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ኣባይቶም ከም ዝተፈናቐሉን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ካልኦት ዶብ ሰጊሮም ብምህዳም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ምህላዎምን ትካላት ረዲኤት ይሕብሩ።

ኣብቲ ልዕሊ 3 ኣዋርሕ ወሲዱ ዘሎ ኲናት ሂወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ጠፊኡ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ህዝባዊ ይኹን ብሕታዊ ትሕተ ቅርጽን ንብረትን’ውን ዓቢ ክሳራ ወሪዱ ከምዘሎ ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ይገልጹ ኣለዉ።

ዓመዓባብላ ናይቲ ግጭት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ሒዙዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር’ዩ።

ኣብ 2019 ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል’ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ “ዘይሕገ መንግስታዊን” “ዘይሕጋውን” ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም’ውን ኣፍሊጡ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ “ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን” ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ’ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

‘ክራይስስ ግሩፕ’ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን “ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት” ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ ‘ቀዲሞም ንምክልኻል’ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

 

1 thought on “ቅልውላው ትግራይ: ኣብ ሓደ ቁሸት ልዕሊ 500 ገዛውቲ ‘ብመደብ’ ተቓጺሉ ተባሂሉ

  1. They knew they gonna be defeated just as they were defeated in Samre. Therefore, they did burn all those civilian dwellings purposely to leave a demolished and ransacked town for us behind.

    Abiy and Isayiyas still not willing to drop their mask to reveal their authentic self, but rather deceiving the world , UNSC, EU with their letters showing as if no humanitarian abuses committed in Tigray . Contrary to the credit denial letter , written professionally by Bank officials to reject a request, Abiy and Isayas used to making official statements and send letters to foreign officials to veil reality in the ground, killings and mass starvation . Hence, I prefer to name their letters Fact Denial letter.

    Why lies are propagated so frequently and the truth sacrificed so easily, it is not difficult to understand. It is because the powerful ( such as Abiy and Isayiyas)want to protect their power at all costs as you all know the fact in the ground. Sometimes this would require targeting their foes without proof.

    No amount of lies and professional letters of PP and amara diasporas like Prof Alemayehu , and his freinds could conceal or camouflag the truth in the ground .

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *