ኣብ ጎረባብትና ዝረአ ክፍኣት ህግደፍ ኣብ ሃገርና መሊኡ ዝፈሰሰ እዩ

Eritrea

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ሕመቕ በብእዋኑ እናኣልዓልና ከምተዛረብና ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ካብ ትማሊ ሎሚ፡ ካብ ሎሚ ጽባሕ ክንሓይሽ ኢና ኢልና ስንና ነኺስና ካብ ምቕጻል ወጻኢ ቃልሲ ጠንጢንካ ምኻድ ከም ኣማራጺ ክንወስድ ኣይመረጽናን። ካብ ሎሚ ጽባሕ ክንሓይሽ እንተዄይንና ግን ኣብ ቃልሲ ስለ ዘለና ጥራሕ ዝመጽእ ዘይኮነስ ጉድለታትናን ሕመቓትናን ብግልጺ እናኣልዓልና ካብቲ ብቓልሲ ዝርባሕ ሕዝቢ ድማ ኩሉ ማዕዳን ተግሳጽን ክንቅበል ቅሩባት ክንከውን እንተኺኢልና ጥራሕ እዩ። 

እወ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘቑጸርናዮ ዓመታት ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ብወሳኒ መልክዑ በዓልቤታዊ ሕመቕና እዩ ኢልካ ክስመረሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ካብኡ ወጻኢ ምኽንያት ምድርራብ ንውሽጥኻ ከይትፍትሽ ዝገብር ኣጉል ኣካይዳ እዩ። ንሎሚ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ ብዙሕ ክንብል ዘይኮነስ ኣንፈት መጻኢ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣሚትና ንምሕላፍ ጥራሕ’ዩ። ህግደፍን ንሱ ዝቆጻጸሮ ርእሰ ፋሽሽቲ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ከም መሸጣ ኣቕሓ ለይቲ ክሓልምዎ ናብ ዝሓደሩሉ ከውዕልዎ ይረኣዩ ኣለዉ። ከይዛረብ ብስለያታቱ ኣፉ ዝተለጉመ፡ ከይንቀሳቐስ ብኮሮና ኣሳቢቡ ኣብ ገዝኡ ተዓጽዩ ብጥሜት ክቐዘፍ ዝተፈርዶ ህዝብና ማእለያ የብሉን። ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ሃገርና ክወርድ ዝጸንሐ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት፡ ህዝብና ብስቕታ ኣብ ውሻጥኡ ጸይርዎ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውርዶ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት ኣብ ሃገርና መሊኡ ገንፊሉ ናብ ትግራይ ገጹ በጨቕ ዝበለ’ዩ። ህዝብና ግን ስቕታ ክለምድን ንስቅያቱ ክርዕምን ንሰላሳ ዓመታት ተሰሪሑሉ’ዩ። እምበር ህዝብናስ ብባህርያቱ ንዓመጽ እምቢ በሃላይ ምንባሩ ንዓለም ዘመስከረ’ዩ ኔሩ።  

ብርግጽ ንሕና ተቓወምቲ ውድባት ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ድቃስ ከምዝስእን እንተንገብሮ ናብ ጎረባብቲ ሃገር ከይዱ ድቃስ ከስእኖም ኣይምሓሰቦን’ውን ኔሩ። ሕጂውን ካልእ ፍታሕ የለን። ኣብ ስደት ሕድሕድ ምብልላዕ ገዲፍና እንተኾነ ኩልና ተቓወምቲ ውድባት ብሓባር፡ ካብኡ ተረፈ ግን እቶም ክሰማምዑ ዝኽእሉ ዉሑዳት ንሕጂ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ጥራሕ ዘተኮረ ሓባራዊ ግብራዊ ስራሓት  ጀሚርና ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ንበገስ። ህግደፍ ልክዕ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ጸረ ሰላምን ጸረ ፍትሕን ሓይልታት፡ ባዕሉ ኣብ ዝፈጠሮ መጻወድያ ኣትዩ ዓለም ሙሉእ ፎእ! ኢልዎ ኣሎ። ዓለም ግን መተካእታ ህግደፍ ክኸውን ዝኽእል ክትርኢ ኣይከኣለትን ኣላ። እሞ ደንበ ተቓውሞ ሕጂ መተካእታ ኮይኑ ክቐርብ እንተዘይክኢሉ፡ መተካእታ ዘይብሉ ኮይኑ ከይዓርብ ዘፍርሕ’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ኤስደለ ምስቶም ናብዚ ደረጃ ንምስጋግርን ዝጭበጥ ስራሕ ንምስራሕን ድልውነት ምስ ዘቕርቡ ኣካላት ክሰርሕ ድልውነቱ ከረጋግጽ ይደሊ። 

ኲናት ትግራይ – ይምልከተና’ምበር ከመይ ዘይምልከተና!!

ጽልእን ቅርሕንትን ክሳብ ክንደይ ንሰብኣዊ ሕልና ይኹን ወድዓዊ ገምጋም ደቂ ሰባት ከም ዘዛናብዕ እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣጉሊሑ ኣርእዩና’ዩ። ኣብዚ ኲናት ጎሊሖም ካብ ዝተራእዩ ዝንባሌታት እቶም ዉሑዳት ጥራሕ ጠቒስና ፖለቲካውን ሰብኣውን ባህርያቶም ክንገልጽ ክንፍትን ኢና። 

እዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ኣይምልከተናን’ዩ- ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ ምባል በዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ምኽንያታት ከም ሰገን ርእስኻ ኣብ ሑጻ ምቕባር’ዩ ክቑጸር ዝከኣል። 

  • ሰብኣውነት፥ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዓለም ሙሉእ ዝዛረበሉ ዘሎ ብዓይነቱ ውሑዳት ተመኩሮታት ናይ ዓለም ጥራሕ ዝዳረግዎ ካብ ደቂ ሓደ ሃገር ይኹን ካብ ካብ ናይ ቀረባ ጎረባብቲ ክወርድ ኢልካ ዘይትጽበዮ- ደቂ ሰባት ናብ ኣራዊታዊ ተግባር ክወርዱ እናረኣኻ ዓገብ ንምባል ሰብ ምዃን ጥራሕ እዩ ዘድሊ። ነዚ እናረኣኻ ዕሽሽ ምባል ናይ ሕልና ተሓባባሪ ናይቲ በደል ካብ ምዃን ዘድሕን ኣይኮነን።
  • ሃገራውነት፥ እዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ኣረመናዊ ጭፍጨፋ ናትና ናይ ኤርትራውያን ዓቢ ኢድ ኣለዎ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ወሪድዎ ዘሎ ደረጃ ውድቀት ዘብጸሐ ህግደፍ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝነበሮ ክቦኩዕ ዝጸንሐ ጽልኢ ተሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውርዶ ዘሎ ገበናት ንርኢ ኣለና። ኣብዚ ኲናት እታ ሃገርና ንብላ ኤርትራ ተሳቲፋ ኣላ። ደቅናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም ይቐትሉን ይቕዘፉን ኣለዉ። ጽባሕ ንግሆ ናይቶም ገዝኦም ዘይተምልሱ ክንደይ ዳስ ሓዘንን ጸሊም ክዳንን ኢና ክንርኢ? ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝፈጸምዎ ዝተሰምዐን ገና ዘይተሰምዐን ገበናት ምስ ሰማዕና ንወለዶ ዝተርፍ ጸሊም ታሪኽ መን ይኹን ተሰካሚኡ? እሞኸ እዚ እናርኤኻ ኣይምልከተናን ምባል ፖለቲከኛ’የ ምባልሲ ይትረፍ፡ ሰብ’የ ክትብልዶ የብቅዓካ? ኣይፋሉን ይምልከተና እምበር -ተኸሳሲት ሃገር ሒዝና ከመይ ዘይምልከተና!!
  • ብዓይኒ ፖለቲካ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዓውድን ዝንባሌን ክንህሉ መሰልና እዩ። ይኹን እምበር ዝጸገበ ህግደፍ ኣሊና ካልእ ካብኡ ዝኸፍእ ዝጠመየ ህግደፍ ክንትክእ እንተዘይመሪጽና ነዚ ንሪኦ ዘለና ዓይነት ኣፈታትሓ ግርጭት ክንመርጽ ኣይግባእን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣዩ ትግራይ ዝበሃል መሬት ሰሚዑ ዘይፈልጥ ማሕበረሰብ-ዓለም ናይ እዋኑ ኣጀንዳ ጌርዎ ዘሎ። ነዚ ዝመረረ ዝገብሮ ከኣ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ “ሕጊ ናይ ምኽባር” ዘመችኡ ንምትግባር መሓዝኡ ጌሩ ዘበገሶ ነቲ ኣብ ዓለም ሕጊ ብዘይምኽባር ዝፍለጥ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ሃገሩ ሕጊ ረጊጹ ዝኸይድ ሓይሊ ኣብ ዓዲ እንዳማቱ ሕጊ ከኽብር ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን – ውጽኢቱ ከኣ እዚ ንሪኦ ዘለና’ዩ።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ንናይ ኣቢይ ኣሕመድ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ገበናውን መሳርሒ ክንከውን ኣይግበኣናን ኔሩ። ግን ፈቲና ጸሊእና ብመንገዲ መራሒ ዕንወት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣቢልና ኮይንና ኣለና። ከፈልቲ ዕዳ ከኣ ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ከመይ ዘይምልከተና? ምስ’ዚ ተታሓሒዙ እዚ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ጥራሕ ዘነጻጸረ ኲናት ጌሩ ዝርኢ እሞ ባዕሉ ህወሓት ዝፈጠሮ ጸገም እዩ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘለዎም ጽልኢ ጥራሕ ዘጋውሑ ሰባት ከምዘለዉ እውን ሰሚዕና ኢና። ወዮ ደኣ “ዝወደቐ ገረብ ምሳር ይበዝሖ” ኮይኑ እምበር፡ ህወሓት ገባርን ሓዳግን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ቋንቆኦም ካልእ እዩ ኔሩ። እዚ ንጎድኒ ገዲፍና ግን እወ ህወሓት ጻድቕ ውድብ ኣይኮነን፡ ናቱ ብዙሕ ጌጋታት ከምዝነበሮ ባዕሉ እውን ተኣሚኑ እዩ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ዉሑዳት ኣብ ስልጣን ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ክጸንት ግን ፍትሓዊ ኣይኮነን። ሕጂ ይኹን ጽባሕ ንህዝቢ ትግራይ መን ይምርሓዮ ንዝብል ከኣ ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ ንዝመርጾ ከም ነኽብር ከነረጋግጽ ንደሊ። ከምቲ ንባዕልና ንዘይመረጽናዮ መራሒ ክንኣሊ ንቃለስ ዘለና፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ከምኡ ምርጭኡ ከነኽብረሉ ፍትሓዊ’ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ፍትሓውን ደሞክራሲያውን መሰሉ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ጎድኑ ምህላውና ከነረጋግጽ ንደሊ። 

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን – ኤስደለ           

ዘመን ዕላዊት ልሳን ኤስደለ  ቅጺ 6 ቁጽሪ 2     

www.zemen.org                                    

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *