ቅልውላው ትግራይ፡ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትኮኒኖም

Ethiopia Tigray
ኣቡነ ማትያስ
SERGEI FADEICHEV ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጭፍጨፋ ከይዛረብ ተኸልኪለ ኢሎም
 

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፡ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ንክብል ጸዊዖም።

እቶም ፓትሪያርክ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ጸገማት እንተሃለው’ውን፡ “ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣረመነኔት ጠጠው ንክብል ብዙሕ ግዘ ፈቲነ ኣይኮነለይን፤ ፍቓድ ኣይተዋህበንን” ኢሎም።

ብዛዕባ እቲ ኲናት ንከይዛረብ መን ከምዝኸልከሎም ግን ብንጹር ኣይሓበሩን።

እቲ ሚስጢራዊ ቪድዮ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ኮለጅ ቲዮሎጂ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ዴኒስ ዋድሌይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዓሉ ከምዝቐድሖ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ብዓቕሚ ሰቡን ብዝሒ ኣጽዋራቱን ዝሓየለን ዝበዝሐን ዝብሃል ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣወጀን’ዩ ኵናት ጀሚሩ።

ብሰንኪ እቲ ኵናት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ብዘይካ እዚ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ክስደዱ እንከለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኮይኖም ኣለው።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ በቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝኾኑን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመን ክገልጹ እንከለው፡ እቲ ኲናት ጠጠው ክብልን ተፈጺሞም ዝብሃሉ ግህሰታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩን ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ መርመራ ከካይዱ ተሰማሚዖም ምንባሮም ይዝከር።

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ኣቡነ ማያስ ካልእ’ኸ እንታይ ኢሎም?

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፡ ብተደጋጋሚ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ንምኹናን ዝገበርኩዎ ጻዕሪ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ፍቓድ ከምዘይረኸቡ ተዛሪቦም።

“ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣረመናዊ ተግባር ንክቃወም ፈቲነ፤ ግን ዘዳለኹዎ መልእኽቲ ኣብ ኣየር ከይውዕል እናተዓፈነ እየ ክሳብ ሕጂ ጸኒሐ። ኣብ ትግራይ ጭካነ ዝተመልኦ፡ ኣረመናዊ ስራሕ ይስራሕ ምህላው ዓለም ፈሊጡዎ ኣሎ” ኢሎም።

“ሽዱሽተ ወርሒ ሙሉእ ኣፍና ተለጒሙ ክንዛረብ ኣይክኣልናን፤ እቲ ህዝቢ ዝበኣሰ ጉድኣት ከይበጽሖ ብዝብል’ውን ደፊርና ኣይተዛረብናን” ኢሎም።

እቶም ፓትሪያርክ፡ ብሸውዓተ ሚያዚያ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጸዕራ ግእዝ] ዝገብረኩዎ ቃለ መጠይቕ ከይቃላሕ ኣኣጊዱ’ዩ ክብሉ’ውን ከሲሶም።

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ
GETTY IMAGES ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ ፓትርያር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ

ወሲኾም፡ “ሕጂ’ውን እዚ መልእኽቲ እንተበጺሑ ኢለ’የ ዝዛረብ ዘለኹ” ዝበሉ ፓትሪያርክ ኣቡነ ማቲያስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቕትለት መናእሰይ፣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ተፈጺሙ ዝበሉዎ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

ሕጂ’ውን ቅትለት ይፍጸሙ ኣለው ዝበሉ እቶም ፓትሪያርክ፡ “ከምቲ ናይ ማህበረ ዴጎ ዓይነት መናእሰይ ተቐቲሎም ናብ ጸድፊ ይድርበዩ ኣለው” ኢሎም።

”ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ገዳም ደብረዳሞ መድፍዕ ተተኲሱ፤ መንበሪ መነኮሳት ፈሪሱን ሓደ ኣቦ ተቐቲሎምን። ቤተ ክርስቲያን ኣክሱም ከይትውረር ዝሕልው ዝነበሩ ከም ቐጽሊ ረጊፎም’ዮም። ንሕና እዚ ኹሉ ከይንዛረብ ተኸልኪልና ኢና” ብምባል፡ ቃሎም ንከስምዑ ተኸልኪሎም ምጽንሖም ጠቒሶም።

ዕጡቓትን ወተሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተኸደኑን ሰባት፡ ዘይተዓጠቑ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓደ ጸድፊ ብምውሳድ ንገሊኦም ብቐረባ ርሕቐት ተኲሶም ብምቕታል ኣስክሬኖም ናብ ገደል ክደፍኡዎ እንከለው ዘርኢ ቪድዮ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ተዘርጊሑ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ኣብዚ ቪድዮ ብዘካየዶ መርመራ፡ እቲ ተግባር ማህበረ ዴጎ ኣብ ዝተባህለ ከተማ ከም ዝተፈጸመን ሰራዊት ኢትዮጵያ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸመን ከረጋግጽ ክኢሉ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ ሒዙ ምላሽ መንግስቲ ንምርካብ ፈቲኑ እንተዘይሰመረሉ’ውን፤ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ቪድዮ ህወሓት ዘዳለዎ ስኑዕ ምስሊ ከም ዝኾነን ንሰራዊቱ ከምዘይፈጸሞን ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ’ውን፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዘመላኽቱ መረዳእታታት ይወጽኡ ምህላዮም ብምእማን፡ ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ’ዩ።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማቲያስ ግን፡ መንግስታት ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ‘ቅትለት ደው ዘብል መገዲ’ ክፈጥሩ ኣለዎም ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ክሳብ ሕጂ ኣፈይ ተለጒሙ ኣብ ስቓይ’የ ዝነብር ዘለኹ። እንተኾነ፡ መነኮሳት ዋልድባ ዕድመ ልክዕ ካብ ዝነበርሉ ገዳም ተሰጒጎም ተበቲኖም፤ ሽማግለታትን ሕሙማትን ኣብ መገዲ ተደርቢዮም። ኣብ ዓሲምባ ዝነበረ ሓድሽ ቤተክርስቲያን ተወቒዑ፤ ኣብ ማርያም ደንገላት ኣብ ቅዳሴ ዝነበሩ ሰባት ተቐቲሎም። ተጋሩ ንክጠፍኡ እዚ ኹሉ ይገብሩ ኣለው። ህዝቢ ዓለም ነዚ ፈሊጡ ቕልጡፍ ረድኤት ክገብርን ስጉምቲ ክወስድን ይምሕጸን። ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም እዚ ጉዳይ ሰሚዐንን ርእየን ሓገዝ ክገብራ ይላቦ” ኢሎም።

እዚ ዝቕጽል ዘሎ ኩነታት ቀልጢፉ ጠጠው ክብል ይግባእ ብምባል፡ “ህዝቢ ትግራይ በደሉ እንታይ ከም ዝኾ ኣይፈልጥን፤ ግን ዓሌታዊ ምጽናት ይፍጸም ኣሎ፤ ዓለም ክኣ ነዚ ክፈልጦ የተሓሳስብ” ብምባል መልእኽቶም ሰዲዶም።

እቲ ኩናት ብኸመይ ተጀሚሩ

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ሒዙዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር’ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል’ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ “ዘይሕገመንግስታዊን” “ዘይሕጋውን” ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም’ውን ኣፍሊጡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ’ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ። ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ “ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን” ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ’ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

‘ክራይስስ ግሩፕ’ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

ብ3 ሕዳር 2020 ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን “ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት” ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ ‘ቀዲሞም ንምክልኻል’ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *